ዘይርትዓዊ ኣተሓሕዛ

ዘይርትዓዊ ኣተሓሕዛ

ብዘይ ርትዓዊ ኣገባብ ዘስርሑኒ ኮይኑ ይስመዓኒ ኣሎ። እንታይ ክገብር ይኽእል?

ኣብ ቦታ ስራሕኩም ስለምንታይ ዕግበት ትረኽቡ ከም ዘየለኹም ሕሰቡሉ። ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ዘይቅኑዕ ትብልዎ መስርሕ ነጥቢታት መዝግቡ። ዝምስክሩልኩም መሳርሕትኹም ከኣ ቀርቡ። ኣብ ትሰርሑሉ ትካል ኣሎ እንተ ደኣ ኮይኑ፣ ቅድም ምስ ኣባል ሽማግለ ሰራሕተኛታት (Personalkommission) ተዘራረቡ። ምስ ሓላፊ ክፍሊ ሰራሕተኛታት ምዝርራብ እውን ፍታሕ ከምጽእ ይኽእል ኢዩ።

 

ባዕልኹም ስጉምቲ ቅድሚ ምውሳድ ካብ ሞያውያን ምኽሪ ምውሳድ ይጠቅም እዩ። እቲ ዝበለጸ ምኽሪ ሞያውያን ሕጊ ወይ ከኣ ናይ ሓገዝ ኣካላት (Hilfswerken) ምሕታት እዩ።

 

ኣባል ማሕበር ሰራሕተኛታት እንተ ደኣ ኴንኩም፣ ኣብኡ እውን ተወከሱ። ካብ መረዳዳእቲ ዝተፈላለዩ ባህሊታት ሓገዝ ምሕታት እውን ይጠቅም። ካብ ብጾትኩም እውን ጠቓሚ ምኽሪ ክትረኽቡ ትኽእሉ ትኾኑ።